መኪና ትዝውር እንተኾንካን ብተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ኢድካ እትሕዝ ሞባይል ትጥቀም እንተኾንካ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ 1500 ክሮነርን 500 ክሮነርን ናብ ገንዘብ ግዳያት ዝቕጻዕ፡ ሎሚ’ውን ፍቓድ ምዝዋር መኪናኻ ክትቆርጽ ኣለካ። እዚ ብርግጽ ጣብላ ወይ ተመሳሳሊ እንተኾይኑ እውን ይምልከት። ንሰለስተ ዓመት ወይ ትሕቲኡ ፍቓድ ምዝዋር መኪና እንተሃልዩካ ድሕሪ ክልተ ክሊፕ ምዝዋር መኪና ክትእገድ ኢኻ።
ኣብ ቀይሕ መብራህቲ ደው ምስ እትብል ወይ ኣብ ሪጋ ኣብ እትህልወሉ እዋን፡ ብኢድ እትእሰር ሞባይል ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ኢድካ እትሕዝ ሞባይል ክትጥቀም እንተደሊኻ ኣብ ጎኒ ክትጣበቕ ኣለካ። ድሕሪኡ ሞባይልካ እንተደዊላ ክትገድፋ ኣለካ። እቲ ክትገብሮ ዝፍቀደካ ነገር እንተሃልዩ ነቲ ተቐባሊ ብመንገዲ እቲ ዝለበስካዮ ርእሲ መሳርሒኻ ምልዓል እዩ፣ ብመቆጻጸሪ ድምጺ ወይ ሞባይልካ ኣብ ጽኑዕ መትሓዚ ምሓዝ፣ ድሕሪኡ ክትሰርሓሉ ይፍቀደልካ።
ኩሉ ግዜ ንቑሕ ምዃን ክትዝክር ኣለካ፡ ስለዚ ስልክኻ ብጥበብ ተጠቐመላ። ከምኡ’ውን ኣቓልቦኻ ካብ ትራፊክ ዘርሕቕ ዕላል ኣይትግበር።
ከምኡ ውን ብሽክለታ ክትዝውር ከለኻ ብኢድካ እትሕዝ ሞባይል ክትጥቀም ኣይፍቀደልካን እዩ፣ መቕጻዕቲ 1000 ክሮነር ይኸፍል።
ብሰላም መኪና ምዝዋርን ጽቡቕ ጉዕዞ ይግበረልኩምን!
ትግርኛ
Dansk
English
Srpski
Español
Kurdî
اُردُو
Français
Hrvatski
简体中文
العربية
Türkçe
Românește
Af Soomaali
فارسی
Shqipja
Filipino
ไทย
Русский
tiếng Việt
नेपाली
Lietuvių
Polski
Bosanski
Crnogorski
Українською
Magyar nyelv