ኣብ ፍቓድ ምዝዋር መኪናን ትምህርቲ ምዝዋር መኪናን ዝምልከት ግዝያዊ ለውጢ ኣብ ሕግታት
ዕለት ሕትመት፡ 26/03/2020
ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ኣብ መዳይ ፍቓድ መዘወሪ መኪናን ትምህርቲ ምዝዋር መኪናን ብርክት ዝበሉ ተበግሶታት ኣካይዱ።
ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ምስ ህሉው ኩነታት ዴንማርክ ንምግጣም ኣብ ሓያሎ መዳያት ትእዛዝ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ቀይሩ።
እዚ ድማ ቅልውላው ኮሮና ምስ ፍቓድ መዘወሪ መኪናን ከባቢ ትምህርቲ ምዝዋር መኪናን ኣብ ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ መዳያት ከስዕቦ ዝግበኣና ምንዋሕ ግዜ መስርሕ ጉዳይ፣ ምውህላል ኮርሳትን ክዛዘሙ ዘለዎም ፈተናታትን ወዘተ ኣብ ግምት ብምእታው ዝግበር እዩ። .
ኤጀንሲ መጓዓዝያ ዴንማርክ ነቲ ትእዛዝ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣመሓይሹዎ ኣሎ፤
- ምስ መስርሕ ጉዳይ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ብዝተኣሳሰር ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት ዕድመ ምናዋሕ። ሕጂ እቲ ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት ፍቓድ ምዝዋር መኪና ክወሃብ ከሎ ካብ ሓደ ዓመትን ትሽዓተ ወርሕን ዘይበዝሕ ክኸውን ኣለዎ።
- ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ቀዳማይ ረድኤት ኮርሳት ምስ ምዝገባ ንተግባራዊ ፈተና ብዝተኣሳሰር መጀመርታ ክዛዘሙ ኣለዎም።
- ኣብ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ሕግታት ምብታኽ ምድምሳስ
- ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተናታት ናይ ቅኑዕነት ግዜ ምንዋሕ። ሕጂ እቲ ግብራዊ ፈተና ድሕሪ 18 ኣዋርሕ እቲ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተና ምሕላፉ ክሓልፍ ኣለዎ።
- ሞተር ተሽከርካሪት ብዘይ ምልውዋጥ ብናይ ወጻኢ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ክትዝወር እትኽእለሉ ግዜ ምንዋሕ። ኣብ ሓንቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ወይ EEA ሃገር ዘይተዋህበ ናይ ወጻኢ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ዘለዎም ሰባት፡ ሕጂ ቀዋሚ መንበሪ ድሕሪ ምምስራት ኣብዛ ሃገር ክሳብ 180 መዓልታት ሞተር ተሽከርካሪት ክዝውሩ ይኽእሉ
ትግርኛ
Dansk
English
Srpski
Español
Kurdî
اُردُو
Français
Hrvatski
简体中文
العربية
Türkçe
Românește
Af Soomaali
فارسی
Shqipja
Filipino
ไทย
Русский
tiếng Việt
नेपाली
Lietuvių
Polski
Bosanski
Crnogorski
Українською
Magyar nyelv