ብሎግ

ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣፕ

ካብ ሎሚ 24 ሕዳር ጀሚርኩም ፍቓድ ምዝዋር መኪናኹም ናብ ስማርትፎንኩም ከተውርዱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ማለት ኣብ ዴንማርክ ክትዝውር ከለኻ ድሕሪ ደጊም ብፕላስቲክ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ክትዝውር ኣየድልየካን እዩ። ፍቓድ ምዝዋር መኪና ኣፕ ኣብ ዴንማርክ ጥራይ እዩ ዝሰርሕ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ድማ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኻ ኣብቲ ኣፕ ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ፍቓድ መዘወሪ መኪናኻ ኣብ ፕላስቲክ ምቕማጥ እውን ክትቅጽል ኣለካ።

ይኹን እምበር ሞባይልካ ሓይሊ እንተወዲኡ ስለዚ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኻ ብጠለብ ከተርኢ እንተዘይክኢልካ ገና መቕጻዕቲ ኣሎ።

ነዚ ኣፕ ክትጥቀመሉ እንተደሊኻ ባዕልኻ ኢኻ ትውስን። ነቲ ኣፕ ንምውራድ ዘድሊ ነገራት ሓድሽ ስማርትፎን ዝሓትት ኮይኑ ፓስፖርትን nemIDን ክህልወካ ኣለዎ።

Vi bruger cookies til indsamling af statistik og til trafikmåling. Vi bruger informationen til forbedring af hjemmesiden. Ved at klikke videre, accepterer du brugen af cookies.